ሕ.ኢ.ዓ. ኣብ ሶማሊላንድ እትሃንጾ መዓስከር፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ይፈጥር

Radio Erena: 25 March 2018

 port berberaሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ግዝኣት ሶማሊላንድ እትሃንጾ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ወጥሪ ፈጢሩ ከምዘሎ ማዕከን ሓበሬታ ብሉምበርግ ገሊጹ።

መንግስቲ ሶማልያ እቲ ኣብ መንጎ ብመንግስቲ ዝውነን ዲፒ ዎርልድ፣ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኻየደ ስምምዕ ሕጋዊ ባይታ የብሉን ክብል ከምዝነጸጎ ዝፍለጥ’ዩ።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ሳዓድ ዓሊ ሺረ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሶማል ወተሃደራዊ ሓይሊ እንተዋፊራ፣ ሶማሊላንድ ነብሰ ምክልኻል ክትገብር ድልውቲ ኣላ ክብል ገሊጹ።

 

እቲ ኣብ ወደብ በርበራ ዝህነጽ ሓይሊ ኣየርን ባሕርያን፣ ኢማራት ዓረብ ንሰላሳ ዓመት ከተመሓድሮ ዝተገብረ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኢትዮጵያ እውን 19 ሚእታዊት ብርኪ ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ስምምዕ ምኽታማ፣ ነታ በይናዊ ናጽነት ኣዊጃ ዘላ ኣካል ሶማሊያ ከም ሃገር ወግዓዊ ተፈላጥነት ምሃብ’ዩ ክብሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ይኸሱ።

ሚኒስተር መጎዓዝያ ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ንቁጠባዊ ምዕባለ ዝምልከት ደኣምበር ምስ ልኡላውነት ወይ ወግዓውነት ሶማሊላንድ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ኢሉ።

እዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሶማሊላንድ እትሃንጾ ዘላ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን ዝርከብ ብምዃኑ ምስቲ ኣብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ዘለዋ መዓስከር ከመይ ክወሃሃድ’ዩ ዝብል ሕቶ፣ እቲ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ናብ ኢማራት ዝግደፍ’ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ይገልጽ።

እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ መዓስከር ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስቲ ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን እተካዪዶ ዘላ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣቢሉ ንኩነታት የመን’ውን ዝጸሉ ብምዃኑ ነቲ ዞባ ብሓፈሻ ሓድሽ ስግኣት’ዩ ክብሉ’ዮም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ዝገልጹ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0