ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ስሉሳዊ ዘተ ከካዪያ’የን

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ስሉሳዊ ዘተ ከካዪያ’የን

Radio Erena: 25 March 2018

ethi_damስሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ክቕጽል ምዃኑ ሺንሁዋ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ትማሊ 24 መጋቢት ገሊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና ምስ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ንኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝተጀመረ ዘተ ንኣርባዕተን ሓሙሽተን ሚያዝያ ኣብ ከተማ ካርቱም ክቕጽል ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ስሉሳዊ ዘተ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ’ኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ቅልውላው ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ’ዩ ጸኒሑ።

 

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0