ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምርጫ ግብጺ 40 ተዓዘብቲ ከዋፍር’ዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምርጫ ግብጺ 40 ተዓዘብቲ ከዋፍር’ዩ

Radio Erena: 23 March 2018

egypt

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ግብጺ ካብ 26 ክሳብ 28 መጋቢት ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ 40 ተዓዘብቲ ከዋፍር ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ግብጺ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሊ ነበር ዓብዱላየ ድዮፕ ዝምራሕ ልኡኽ፣ ቀዳም 24 መጋቢት ናብ ካይሮ ክኣቱ’ዩ።

ኮሚሽን ምርጫ ግብጺ፣ ነቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዛቢ ጉጅለ ናብ ሃገሩ ዝዓደሞ፣ ምርጫ ግብጺ ናጻን ርትዓውን ኣይከውንን’ዩ እናተባህለ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝርከቦም ሰለስተ ሕጹያት ይወዳደሩ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ኣብ 2013 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስልጣኑ ብምርጫ ህዝቢ ሕጋዊ ዝገበረ ኣል ሲሲ ደጊሙ ክዕወት ከምዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0