ፕረዚደንት የመን ናብ ሃገሩ ክምለስ ጻውዒት ቀሪቡ

ፕረዚደንት የመን ናብ ሃገሩ ክምለስ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 23 March 2018

yemen

ካብ 2015 ኣትሒዙ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ናብ ሃገሩ ክምለስ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣልጀዚራ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ ሚኒስተር ዴታ ሳላሕ ኣልሳያዲ፣ ፕረዚደንት ሓዲ ኣብ ሪያድ ጅሆ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምግላጽ፣ እቲ ፕረዚደንት ናጻ እንተኾይኑ ናብ ሃገሩ ክምለስ ሓቲቱ።

ንሱ፣ ህዝቢ የመን ፕረዚደንት ሓዲ ናብ ሃገሩ ክምለስ ጻውዒት ንምቕራብ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዓደን ኣብ ዝተበገሰሉ፣ ምስ ደቁን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱን ካብ ከተማ ሪያድ ከይወጹ ብስዑዲ ዓረብ ከምዝተኣገዱ ኣሶሸትድ ፕረስ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ ንፕረዚደንት ሓዲ ናብ ሃገሩ ከይምለስ ጅሆ ሒዛትሉ ዘላ ምኽንያት፣ ኣንጻር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሒዝዎ ብዘሎ መርገጺ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ሓዲን ሰበ ስልጣናቱን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ የመን ዕልዋ ከምዝፈጸመት’ዮም ዝኸሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንየመን ንምክፍፋል ትሰርሕ ከምዘላ’ውን ይወቕሱ።

ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሰራዊት፣ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ የመን መጥቃዕቲ ብምፍናው፣ ኣብ ዓደን ንዝርከብ ቤተ መንግስቲ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እዞም ክልተ ሓይልታት ሓቢሮም ኣንጻር ሑቲ ክዋግኡ ዝጸንሑ’ዮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0