ኤርትራ፣ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝኸተማሉ ፕሮቶኮል ናጻ ንግዲ ስሒባ

ኤርትራ፣ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝኸተማሉ ፕሮቶኮል ናጻ ንግዲ ስሒባ

Radio Erena: 23 March 2018

African Uionin

ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት፣ ኣብ ርዋንዳ ንዝተኸተመ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ከምዘይተጸንበራ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ኪጋሊ ሓቢረን።

ድሕሪ’ቲ ካብ 17 ክሳብ 21 መጋቢት ኣብ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ 44 ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምምስራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘኽእል ፕሮቶክል ክኽትማ እንከለዋ፣ ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ብሩንዲን ጊኒ ቢሳውን ዝርከብአን ሃገራት ግና ነቲ ስምምዕ ኣይከተማሉን።

ኣብዚ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዕድላት ንግዲ ክኸፍት ተኽእሎ ከምዘለዉ ዝተገልጸ ስምምዕ፣ እተን 27 ሃገራት ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክኽትማሉ እንከለዋ፣ እተን 17 ከኣ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ንግድን ተፈላልዩ ክርአ ንዝብል ነጥቢ ቅድመ ኩነት ብምቕራብ’የን ኣብቲ ፕሮቶኮል ተጸንቢረን።

እተን ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ግና፣ ናጻ ንግዲ ይኹን ናጻ ምንቕስቓስ ሰባት ዘጠቓለለ ፕሮቶኮል ጠቕሊለን ከምዘይሰማማዓሉ ብምእማን ነቲ ስምምዕ ከምዘይከተማሉ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብAfrican Continental Free Trade Area (AfCTA) ዝተጸውዐ ዋዕላ ኪጋሊ፣ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት ብኣክል ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኤርትራ እትርከበን ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ግና ብሚኒስተራት፣ ኣምባሳደራትን ቀወምቲ ወኪላተንን ኣቢለን’የን ተሳቲፈን።

ሕብረት ኣፍሪቃ 55 ኣባላት ሃገራት ዘለዎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ናይ ናጻ ንግዲ ውዕል ዝተሓቖፋ ግና እተን 44 ጥራይ’የን።

እተን ዘይከተማሉ ይኹና ቅደመ ኩነት ኣቕሪበን ዘለዋ ሃገራት፣ ክሳብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ዕድል ተዋሂብወን ከምዘሎ’ውን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኪጋሊ የረጋግጹ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0