ኣምባሳደራት ኤርትራን ጀርመንን ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘትዮም

ኣምባሳደራት ኤርትራን ጀርመንን ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘትዮም

Radio Erena: 22 March 2018

 Dresden Germanyኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኤርትራ ኣንድርያስ ዚመርማንን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ነጋሲ ተኽለን፣ ኣብ ጀርመን ቤት ምኽሪ ከተማ ድረስደን ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ከምዝዘተዩ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንዘካየደ ጉጅለ ዝመርሐ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ኣንድርያስ ላኢመል’ውን ኣብቲ ዘተ ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዘተ ብዛዕባ ተኽእሎታት ንግድን ምትሕግጋዝን ከምዝተዘርበሉ መግለጺ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ እኳ እንተሓበረ፣ ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ተኽእሎታት ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ዘድሃበ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሚኒስተር ምትሕግጋዝን ምዕባለን ጀርመን፣ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ጀርመን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታት ብምምዋል፣ ናብ ሃገሩ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ንምግታእ’ዩ ዝሕልን።

እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ብምዃኑ፣ ነዚ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታት ንምትግባር መንግስቲ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከተግብር ጀርመን ትሓትት።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0