ውሽጣዊ ምትፍናን ኤርትራን ሱዳንን ይብእስ ከምዘሎ ተገሊጹ

ውሽጣዊ ምትፍናን ኤርትራን ሱዳንን ይብእስ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 January 2018

eritrea sudan

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ክኢላታትን ኣዋፊራ ኣላ ዝብል ዜና ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘሎ እዋን፣ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታኣ ናብ ከባቢ ከሰላ ተዋፍር ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ከሰላ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ናብቲ ከባቢ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ምውፋሩ ምስቲ ካብን ናብን ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣቑሑን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

ካብን ናብን ሱዳንን-ኤርትራን፣ ብመንገዲ ከሰላ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮባንዳን ምስግጋር ባጤራን ንቁጠባ ሱዳን ይሃስዮ ከምዘሎ ክገልጽ ዝቐነየ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ጽኑዕ ምክትታል ክገብር ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ግብጺ ኣብ ሳዋ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ክኢላታትን ኣዋፊራ ኣላ ዝብል ጸብጻብ፣ ብማዕከን ሓበሬታ ምስር ኣልዮምን ካልኦት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢን ይጋዋሕ ምህላዉ፣ ሱዳን ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ምንቅስቓሳ ወትሃደራዊ መናውራ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ብጉዳይ ዶብ ሓላይብን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ሱዳን፣ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ካብ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ክፍታሕ ከምእትደሊ’ያ ትገልጽ ዘላ።

እንተኾነ ግብጺ፣ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ምስዝሰርሑ ተቓወምቲ ወገናት ትተሓባበርን ተዕጥቕን ብምህላዋ ሱዳን ምስ ግብጺ ጀሚራቶ ዝነበረት ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ኣደስኪላቶ’ያ ጸኒሓ።

ሱዳን ካብቲ ኣብ ጉዳይ ናይል ዝካየድ ስሉሳዊ ርክብ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ግብጺ ክትግለል ንኢትዮጵያ ከምዝሓተተት ድሕሪ ምግላጹ ድማ ዝምድና ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ዝበኣሰ ደረጅኡ ይርከብ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ተመሳሳሊ መርገጺ ክሕዛ እንከለዋ፣ ግብጺ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት ነዘን ጎረባብቲ ሃገራት ስግኣት ንምፍጣር ትሰርሕ ከምዘላ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰራዊትን ኣጽዋርን ግብጺ ኣብ ከባቢ ሳዋ ተራእዩ ንዝብል ዜና ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0