ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብቁጠባ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዋ 20 ሃገራት ምዃና ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብቁጠባ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዋ 20 ሃገራት ምዃና ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ

Radio Erena: 07 November 2017

IMF

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብቁጠባ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዋ ሃገራት ምዃና ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘርግሖ ሰፊሕ ጸብጻብ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ዚምባብዌ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኮንጎን ብሩንድን ዝርከብአን 20 ሃገራት በብዝተፈላለየ ምኽንያታት፣ ክለሳ ናይ ቁጠባ ፖሊስ ይኹን ጽገና ዘይገበራ ሃገራት ምዃነን ብምጥቃስ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እተን ብዝያዳ ዝተሃስየ ቁጠባ ዘለወን ምዃነን ኣስሚርሉ።

ባንክ ዓለም’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝዘርግሖ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፣ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ኒጀርን ዚምባብዌን ዝርከብአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝርከብ ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

ዕጹው ቁጠባዊ ፖሊሲ ዝኽተል መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ወጻኢ ወፍርን ንግድን ከተባብዕ ብዘይምኽኣሉ ቁጠባ እታ ሃገር ዝኾነ ዕብየት ከርእን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ከምጽእን ከምዘይከኣለ’ዩ ዝትንተን።

ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ዕደና ወፍሪ ጥራይ ተተኩር ብምህላዋ፣ ካልእ ጽላታት እታ ሃገር ተዳኺሙ ከምዘሎ ዘረድኡ ተንተንቲ ቁጠባ ድማ፣ ቁጠባን ዓቕሚ ባጤራን እታ ሃገር እናደኸመ ስለዝመጸ፣ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከንቆልቁል ከምዝተራእየ የገንዝቡ።

መንግስቲ ዘተኣታትዎ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ናይ ምድራት ሕግታት’ውን ድሒሩ ካልእ ዝበኣሰ ቁጠባዊ ሳዕቤናት ከምጽኣሉ ከምኽእል እቶም ተንተንቲ ብኣግኡ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0