ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዲባ

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዲባ

Radio Erena: 07 November 2017

america strike

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደት ሲኤንኤን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ናይ ሲኤንኤን ሓበሬታ፣ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ጉጅለታት ንምጥቃዕ ክልተ እዋን ናይ ነፈርቲ ደብዳብ እኳ እንተካየደት፣ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታ ይኹን ብዛዕባ ዘውረደቶ ጉድኣት ግና ኣይሓበረትን።

እቲ መጥቃዕቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተኻየደ ዝሓበረ ሓደ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ዋሽንግተን፣ ኣመሪካ ድሕነት ዜጋታትን ረብሓታትን ንምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ምውሳድ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጡ።

 

እዚ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዘካየደቶ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ንመጀመርያ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ደብዳብ ተካይድ ዘላ፣ ብታንክታት ዝተሰነየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሽበራውያን ንምህዳን ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣመሪካ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝተዋፈሩ ዜጋታታ ክወጹ ጸዊዓ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሶማል ንኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ክካየድ ተወጢኑ ምህላዉ ሓበሬታ ስለዘሎ፣ ብዘይካ ሒደት ኣብ ኣገዳሲ ስራሕ ዝተዋፈሩ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ኣመሪካ ክወጹ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0