ግብጺ፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓለኑ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 117 ሰባት ቀይዳ

ግብጺ፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓለኑ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 117 ሰባት ቀይዳ

Radio Erena: 03 October 2017

egypt refugees

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓለኑ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 117 ሰባት ከምዝሓዙ ማዕከን ዜና ኣልኣሕራም ገሊጹ።

እቶም ብሰንበት፣ 1 ጥቅምቲ፣ ኣብ ማርሳ ማትሩ ዝተታሕዙ ሰባት መብዛሕቶም ዜጋታት ግብጺ ኮይኖም ብመንገዲ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ’ዮም።

ግብጽን ሊብያን ኣብ ዶባተን ንዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ ጻዕርታት የካይዳ ከምዘለዋ’የን ዝገልጻ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፣ በዚ መንገዲ’ዚ ንምስጋር ዝሓለኑ 16 ሰባት፣ ኣብ በረኻ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ብወገን ሊብያ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0