ህግደፍ፣ ብምምሕዳር ከተማ ጄኔቫ ዝተወደበ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ደው ንምባሉ ዘካየዶ ፈተነ ፈሺሉ

ህግደፍ፣ ብምምሕዳር ከተማ ጄኔቫ ዝተወደበ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ደው ንምባሉ ዘካየዶ ፈተነ ፈሺሉ

Radio Erena: 26 September 2017

festive suissee

ህግደፍ፣ ብምምሕዳር ጄኔቫ ተወዲቡ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኤርትራውያን ደው ንምባሉ ዘካየዶ ፈተነ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራን ወኪል ህግደፍን፣ እቲ pré en bulle ብዝተባህለ፣ ብፈዴራላዊ መንግስቲ ስዊስ፣ ቤት ጽሕፈት ኢንተግሬሽን ምምሕዳር ከተማ ጄኔቫ ዝድገፍ ማሕበር፣ ካብ 22 ክሳብ 24 መስከረም ዘዳለዎ ፌስቲቫል ኤርትራውያን፣ ብዘይኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ኤርትራ ክካየድ የብሉን ብምባል’ዩ ደው ንምባሉ ፈቲኑ።

 እቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ብዘይኣፍልጦን ደገፍን መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ፌስቲቫል ዝሳተፍ ዝኾነ ኤርትራዊ ተሓታቲ ምዃኑ ከምዘፋራርሐ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ሓደ ካብ ኣካያድቲ ስራሕ pré en bulle ዝኾነ ሰባሽያን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ቆንስል ኤርትራ፣ እቲ ፌስቲቫል ደው ንኽብል መልእኽቲ ከምዝሰደደሎም ኣረጋጊጹ።

ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘምርሕሉ ከኣ፣ ኣባላት እቲ ቆንስል እቲ ፌስቲቫል ደው ከብልዎ ብቁጥዐ ከምዝተዛረብዎም ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ፌስቲቫል ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘይብሉን ብመንገዲ ‘ቲ ናይ ምዝንጋዕን መደብ ንኤርትራውያን ምስ ሕብረተሰብ ስዊስ ንምውህሃዶም ዘንቀደ ምዃኑን ከምዝገለጸሎም የመልክት።

እቲ ፌስቲቫል ንገሊኦም ናይ ህግደፍ ንገሊኦም ከኣ ናይ ተቓወምቲ ህግደፍ ስለዝመሰሎም፣ ብጥርጣረ እኳ እንተረኣይዎ፣ ብዙሓት ግና ብኽፉት ልቢ ከምዝተጸንበርዎ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ፌስቲቫል ሳይሞን መሓሪ ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ፌስቲቫል ካብ ተቓወምቲ ይኹን ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ነጻ ብምንባሩ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ስክፍታ ክዘናጋዕ ዕድል ዝኸፈተ ምንባሩ’ዩ ጠቕሱ።

ህግደፍ እቲ ፌስቲቫል ናይ ኤርትራውያን ኣይኮነን ብዝብል መንፈስ፣ ደው ንምባሉ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይዕወት ድሕሪ ምፍላጡ፣ ደገፍቱ ንዝኾኑ ድምጻውያን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ከይሳተፉ ብዘቕረበሎም ምፍርራሕ ደሃብ ፋቲንጋ እትርከቦም ደረፍቲ፣ ተታሒዝሎም ዝነበረ ምርኢት ክስርዝዎ ከምዝተገደዱ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ካብ ዓበይቲ ዘካትዑ ጉዳያታ ኮይኑ ዘሎ ስዊዘርላንድ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብምስጢርን ብግሁድን ርክባት ተካይድ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0