ሲኖዶስ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣቡናት ንዝወገዘ ገዳም ደብረ ቢዘን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ የፈራርሕ

ሲኖዶስ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣቡናት ንዝወገዘ ገዳም ደብረ ቢዘን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ የፈራርሕ

Radio Erena: 26 September 2017

Patriarch

ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣቡናት ንዝወገዘ ገዳም ደብረ ቢዘን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ዘፈራርሕ መልእኽቲ ዘርጊሑ።

እቲ ሲኖዶስ ብ22 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ እቲ ብገዳም ደብረ ቢዘን ዝቐረበ ውግዘት ሕጋዊ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ናይ ውግዘት መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ብስም ማህተም ደብረ ቢዘን ተጠቒሞም ካልእ ተልእኾ ዘለዎም ዝጸሓፍዎ ክብል ጠቕስዎ።

እቲ ናይ ውግዘት መልእኽቲ ብቃል ይኹን፣ ብመንፈስ፣ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ዘይተኸተለ፣ ንቅዱስ ሲኖዶስ ዝደፈረ’ዩ ዝብለ መግለጺ፣ ኣብ ጭቡጥን ሓቐኛ መርትዖን ዘይተመርኮሰ፣ ንሰላምን ሓድነትን ቤት ክርስትያን ዝጻረር ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

ገዳም ደብረ ቢዘን፣ ኣብ ጽባሕ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፣ኣብ 12 መስከረም 2017 ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ደብዳቤ፣ እቶም ኣቡናት ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ብዙሕ በደላት ንዝፍጽሙ ዘለዉ ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣማሓዳሪ መንበረ ጵጵስና ኣቡነ ባሲልዮስን’ዩ ወጊዝዎም።

ገዳማት ኤርትራ፣ ነቶም መሳርሕ ህግደፍ ኮይኖም ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምትሕብባር፣ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝገማምዑ ዘለዉ ኣቡናት ክውግዙን ክኹንኑን እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ቀንዲ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስን ኣቡነ ሉቃስ እቶም ብገዳማት ዝውገዙ ዘለዉ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ እታ ቤተክርስትያን’ዮም።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብህይወት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እናሃለዉ፣ ኣቡነ ሉቃስ፣ ኣብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ብድፍረት ዝሃብዎ ቃል ቡራኬ፣ ብስም ቡራኬ ናብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ መርገም’ዩ ክብል ከምዝገለጹ’ውን ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0