ኣብ  ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ቁጽሪ 115 በጺሑ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ቁጽሪ 115 በጺሑ

Radio Erena: 07 September 2017

 eth_corrupኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሓለፍቲን ነጋዶን ቁጽሪ 115 ከምዝበዝሐ ተሓቢሩ።
ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ነባራት ሓለፍቲ መጓዓዝያ ባሕሪ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሓለፍቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምእሳሮም፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ተጠርጢሮም ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 100 ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ ሰባት ምቕያድ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ዝተፈለያ ሃገራት ክሃድሙ ዝፈተኑ ሓለፍትን ነጋዶን’ውን ከምዝተታሕዙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ነቲ ብጉዳይ ብልሽውና፣ ንውሱናት ሓለፍትን ነጋዶን ጥራይ ይኣስር ምህላዉ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ክብሉ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ይነቕፉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0