ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሓድሽ ቀዋሚ ወኪል ኣብ ኤርትራ መዚዙ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሓድሽ ቀዋሚ ወኪል ኣብ ኤርትራ መዚዙ

Radio Erena: 28 August 2017

Carbo

ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ወኪሉ ኣብ ኤርትራ ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ጆሰፕ ኮል ካርቦ ዝተባህለ ሓድሽ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ወኪል ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝሰርሐ ኦስትርያዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣምባሳደር ክርስትያን ማናህል ንምትካእ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኣስመራ ከምርሕ’ዩ።

ንኤርትራ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ልምዓታዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ ዘሎ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ናይታ ሃገር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸመሓይሽ ሓያል ጸቕጢ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጉዳይ እቶም ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተሪር ውሳኔ ከምዘሕለፈ ኣይርሳዕን።

ሓድሽ ተመዚዙ ዘሎ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ስጳኛዊ ጆሰፕ ካርቦ፣ ነቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ሓመሽተ ዓመታት ልምዓታዊ መደባቲ ኣብ ርእሲ ምክትታል፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝመሓየሸሉ ተኽእሎታትን ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምግታእን ኣብ ዝሕግዙ መደባት ከምኡ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ኤርትራን እቲ ዞባን ብምትኳር ክሰርሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0