ኣምባሳደር ሩስያ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

ኣምባሳደር ሩስያ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

Radio Erena: 28 August 2017

Russian Ambassador to Sudan

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሱዳን ሚርጋያስ ሺሪንስኪ፣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሮቡዕ 23 ነሓሰ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ከምዝጸንሐ ሰበ ስልጣን ሱዳንን ሩስያን ብብወገኖም እኳ እንተረጋገጹ፣ ጠንቑ ሞቱ ግና ኣይሓበሩን።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ኣብ ክሊ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ኣምባሳደር ፣ ኣብ ካርቱም፣ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ መሓንበሲ ሞይቱ ከምዝጸንሐ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሞት እዚ ናይ ሩስያ ኣምባሳደር ዘጋጥም ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ፕረዚደንት ፑቲን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ናብ ሩስያ ከምርሕ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሩስያ ክገይሽ እቲ መደብ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ግና ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ እቲ ዑደት ናብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ከምዝተሰጋገረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ይጠቕስ።

ሩስያ፣ ካብ ታሕሳስ 2016 ኣትሒዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ብተመሳሳሊ መንገዲ ክትስእን እዚ ንራብዓይ እዋኑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0