ኢጣልያ መራኽባ ናብ ክሊ ማያት ሊብያ ክትልእኽ ሕቶ ቀሪቡ

ኢጣልያ መራኽባ ናብ ክሊ ማያት ሊብያ ክትልእኽ ሕቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 28 July 2017

Libya_Migration     ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንዝነጥፉ ዘለው ውልቀ ሰባት ይኩኑ ጉጅለታት ንምህዳን፣ ኢጣልያ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክትልእኽ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ መንግስቲ ሊብያ፣ ፋይዝ ኣል ሲራጅ ሓቲቱ።

      እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻር ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡን ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ቴክኒካዊ ሓገዝ ክህብ ከምዝጸውዐ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ፓሎ ጀንቲሎኒ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

 

         ኢጣልያ ግብራዊ መልሲ እንተሂባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ጠቒሱ።

         ኢጣልያ ዝመራሒተን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ንምህዳንን ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፋ ጀላቡ ንምዕናውን፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስርሒታት ከካይዳ ምዃነን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሓቢረን እኳ እንተነበራ፣ ኣብ ግብሪ ግና ከይሰርሓሉ እየን ጸኒሐን።

         መንግስቲ ሊብያ ነዚ ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናይ 10ታት ሰባት ሬሳ ድሕሪ ምርካቡን ልዕሊ 130 ሰባት ድማ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኑን’ዩ።

         ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እተካይዶ ዘላ፣ “ብሶፍያ” ዝፍለጥ ህይወት ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት፣ ንተወሳኺ 18 ኣዋርሕ ክትቕጽሎ፣ ናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑላ ምህላዉ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0