ኤርትራ ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

ኤርትራ ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 12 July 2017

eri djiboutiብጉዳይ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ንምዝታይ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ተመዲቡ ዝነበረ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይምስምምዑ ንካልእ ግዜ ክመሓላለፍ ከምዝተወሰነ ተፈሊጡ።

       ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 29 ዋዕላኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክኣቱን፣ እቲ ሕብረት ንዘተ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ክከታተል ልኡኽ ጂቡቲ ወግዓዊ ጻውዒት ብዘቕረቦ መሰረት፣ ሓደ ፍሉይ ልኡኽ ተመዚዙ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክዘራረብ መደብ ከምዘውጸአ ይዝከር።

 

       ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንንግስነት ቐጠር ገና ከም ወግዓዊ ሸምጋሊ ከምዝፈልጦ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝተዋህበ ናይ ግዜ መደብ ሓጺር ስለዝኾነ ንኻልእ እዋን ክመሓላለፍ ጸዊዑ፣ ይብል።

       ኤርትራ ብሰንኪ ምስ ስዑዲ ዓረብ ምውጋና ዝተቖጠዐት ቐጠር፣ ሰራዊታ ካብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ብኡ ንብኡ ድሕሪ ምስሓባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዳግማይ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

       ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፣ ቐጠር ብዘይ ቅድመ መጠንቀቕታ ሰራዊታ ብምስሓባ ንኤርትራን ጂቡቲን ኣብ ዘየርብሕ ወተሃደራዊ ወጥሪ ተኣትዩ ስለዘሎ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ሃጓፍ ክመልእ ሓቲትና ይብል።

       መንግስቲ ኤርትራ ንጉዕዞ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስራዙ፣  ዝሃቦ ካልእ ናይ ግዜ መቓን የለን።

       ንጂቡቲን ኤርትራን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዱሜራ ንኣህጉራዊ ንግዲ ባሕሪያ ቀረባ ዝኾነ ባብ ኤል መንደብ ስለዝርከብ፣ ዓቢ ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ከምዘለዎ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0