እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ዘዳሉ ትካል ትቖጽር

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ዘዳሉ ትካል ትቖጽር

Radio Erena: 29 June 2017

Israel

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ዘዳሉ ትካል ከምዝቖጸረ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።
እቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኣብ ፖሊሲ ኢምግሬሽን ዘድሃበ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል፣ ብዛዕባ ኤርትራ መጽናዕቲ ንኸካይድ ምስ መንግስቲ እስራኤል ናይ ኣስታት 14 ሽሕ ዶላር ውዕል’ዩ ኣካይዱ።

እቲ ትካል ኣቐዲሙ፣ ነቲ ብዴንማርክን ብሪጣንያን ዝቐረበ፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ይርአ ‘ሎ ዝብል ጸብጻብ ከም መወከሲ ክጥቀመሉ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንቀፍ።

ዴንማርክን ብሪጣንያን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከጽንዑ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝልኣኽኦም ወኪላት፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ ዝብል በብወገኖም ዘቕረብዎ ጸብጻባት ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ዘይክውንነታውን’ዩ ተባሂሉ ብገዛእ መንግስታቶምን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ከምእተነጽገ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መጽናዕቲ ካከይድ ተረቑሑ ዘሎ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎ ናይ እስራኤል ትካል’ውን ሚዛናዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዛጊት ኣይተቐበለን።

እቲ መንግስቲ በንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ጸቕጥታት ብምፍጣር ካብ ሃገሩ ክወጹ’ዩ ዘገድዶም ዘሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0