ኩዌት፣ ምስሕሓብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠረን ንምሽምጋል ተበግሶ ትወስድ

ኩዌት፣ ምስሕሓብ ስዑዲ ዓረብን ቀጠረን ንምሽምጋል ተበግሶ ትወስድ

Radio Erena: 06 June 2017

Kuwait Suadi

ኩዌት፣ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣፍሊጣ።

ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ሳባሕ ኣል ኣሕመድ ኣል ጃብር ኣል ሳባሕ፣ ንክልትኤን ሃገራት ንዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳያት ብዘተን ምርድዳእን ንኽፈትሖኦ ዕድመ ንምቕራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኣተወ ዝሓርራ ማዕከናት ዜና፣ ቀጠር እቲ ጉዳይ ብዘተ ንምፍትሑ ቅርብቲ ምህላዋ ኣቐዲማ ከምዘረጋገጸት ገሊጸን።

ሱዳን’ውን እቲ ጉዳይ ብዘተ ንምፍትሑ ናይ ዕርቂ መስርሕ ክጅመር ጸዊዓ ኣላ።

ብዘይካ ኩዌትን ሱዳንን፣ ኣብቲ ዞባ ገዚፍ ወትሃደራዊን ቁጠባውን ረብሓታት ዘለወን ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን’ውን እቲ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ተማሕጺነን።

ብስዑዲ ዝተመርሓ ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ብምብታኽ፣ ንመንገዲ ኣየር ቀጠርን ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ንምድስካሉ ስጉምቲ ወሲደን’የን።

እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘመተ ማዕከናት ዜና ዝተጎሃሃረ’ዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ቀጠር፣ ነቲ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ትተሓባበር ኣላ ዝብል ክሲ እዘን ሃገራት ነጺጋቶ ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬን፣ ግብጺ፣ የመንን ሊብያን፣ ምስ ቀጠር ዝምድንአን ንምብታኽ ተበግሶ ዝወሰዳሉ ምኽንያት፣ እታ ሃገር ምስ ኢራን ብምትሕብባር ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ሃገራት ዓረብ ትድግፍ ኣላ ካብ ዝብል ክሲ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ንፖለቲካ ናይተነ ካብዘን ሃገራት ገዚፍ ፊናንስያዊ ምወላ ዝረኽባ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ክጸሉ ምዃኑ ይግለጽ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0