ኢትዮጵያ፣ ምቑራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ  ተሓቢሩ

ኢትዮጵያ፣ ምቑራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ

Radio Erena: 07 June 2017

Inter Cafe Eth

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንኻልኣይ እዋኑ ዝተራእየ ስሩዕ ምቑራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ንግዳዊ ምንቕስቓስ እታ ሃገር ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ኣብ ክልላት ኦሮሞያን ኣምሓራን ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቛሪጹ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረት እታ ጋዜጣ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቐቒ ፈተና ተተሓሒዙ ኢንተርነት ተቛሪጹ ምህላዉ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ 250 ሚልዮን ብር ባጀት ዝወጾ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቐቒ ፈተና፣ ተሰሪቑ ብመንገዲ ኢንተርነት ድሕሪ ምዝርግሑ እቲ መንግስቲ ደጊሙ ሓድሽ ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ከዳሉ ከምዝተገደደ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ ካብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ብምስጋእ ንኢንተርነት ምሉእ ምሉእ ክዓቑ ከምዝወሰነ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እኳ እንተሓበሩ፣ መንግስቲ ግና ከም ማሕበራዊ ሜድያታትን ናይ ኢንተርነት ቴሌፎናትን እንተዘይኮይኑ ንኢንተርነት ጠቕሊሉ ከምዘይዓጸዎ ይገልጽ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲድዎ ዘሎ ኢንተርነት ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ፣ ከም ባንክ፣ ናይ ሓዋላ ትካላት፣ ምክራይ ሆቴላትን ወኪልቲ ጉዕዞታትን ንዝኣመሰሉ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ናይ ስራሕ ምትዕንቓፍ ከምዝገበረሎም፣ ዘ ሪፖርተር ንዝተፈላልዩ ትካላት ብምውካስ ብ5 ሰነ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣስፊራ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0