ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፣ ነፈርቲ ሕ/ኢማራት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ንዘውርድኦ ዘለዋ ጉድኣት ዝኹንን ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፣ ነፈርቲ ሕ/ኢማራት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ንዘውርድኦ ዘለዋ ጉድኣት ዝኹንን ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 31 May 2017

UAE Jets in Assab

ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ስቶኮልም ዝርከቡ 10ታት ኤርትራውያን፣ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ንዘውርድኦ ዘለዋ ጉድኣት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኤርትራውያን ብሰሉስ 30 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ንህላወ ወትሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ብምቕዋም፣ ነፈርቲ ኢማራት ኤርትራዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ምቕታለን ኮኒኖም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ፣ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተቐትሉ ምንቕስቓስ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ቲ ብዝተፈላልዩ ወገናት ክቐርብ ዝቐነየ፣ ቅትለት ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብደብዳብ ነፈርቲ ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

ኣብ የመን ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ዘካይዳ ዘለዋ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ብተደጋጋሚ ገፈፍቲ ዓሳን ስደተኛታትን ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ክቀትላ ጸኒሐን’የን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ናይ ነፍርቲ ደብዳብ፣ ካብ ዓሰብ እናተበገሰት ምዃና ይግለጽ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0