ሱዳን፣ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት ፍርያት ሕርሻ ደው ኣቢላቶ

ሱዳን፣ ካብ ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት ፍርያት ሕርሻ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 31 May 2017

Sudan Ban Egy farm

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ምስሕሓብ ተኸሲትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ሱዳን ካብ ግብጺ ዝኣቱ ዝነበረ ፍርያት ሕርሻን ውጽኢቱን ደው ክብል ወሲኑ።

እቲ መንግስቲ ካብ ግብጺ ዝሽመት ዝነበረ ከም ኣሕምልቲ፣ ፍረታትን ጸባን ዝኣመሰለ ፍርያት ሕርሻ ደው ክብል ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግብጺ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካን ቁጠባን ጸቕጢ’ዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት መግቢ ዘእትዋ ብሕታውያን ኩባንያታት፣ ኣብ ክንዲ ካብ ግብጺ ብቀጥታ ካብተን ነቲ ፍርያት ሕርሻን ውጽኢቱን ዘፍርያ ሃገራት ክሽምቱ ተላብዩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ካብ ግብጺ ዝኣቱ ዝነበረ ፍርያት ሕርሻን ውጽኢቱን ደው ክብል ከምዝወሰነ ብመንገዲ ማዕከን ዜንኡ እኳ ብወግዒ እንተዘርግሐ፣ ናብቲ ውሳኔ ዘብጽሖ ምኽንያት ግና ኣየነጸረን።

ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሱዳን ካብ ግብጺ እትሽምቶ መግብታት ደው ምባላ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ምኽንያት’ዩ ክብል ጥራይ’ዩ ሰጊርዎ።

ንሎሚ 31 ግንቦት ናብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ወጢኑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር፣ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ነቲ መደብ ብሃንደበት ከምዝሰረዞ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዋንነት እቲ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝርከብ ዞባ ሓላይብ ኣብ ምስህሓብ ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዘን ኣብ ዝበኣሰ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ምትፍናን’የን ዝርከባ።

ሱዳን፣ ካብ ግብጺ ዝተለገሰ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ካብ ኢድ ተቓወምቲ ከምዝማረኸት ድሕሪ ምግላጻ ድማ እቲ ኩነታት መሊሱ ብኢሱ ይርከብ።

እዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ክጸሉ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ኤርትራ ምስ ግብጺ ጥቡቕ ዝምድና ንምምስራት ክትደፍኣሉ እንከላ፣ ምስ ኤርትራ ብሰፊሕ ክፋል ዶብ እትዋሰን ሱዳን ከኣ ዝምድንኣ ናብ ኢትዮጵያ ኣዛዝያ ትርከብ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0