ሓደ ካብ ዓበይቲ መዓስከራት ስደተኛታት ኢጣልያ ብጉጅለ ማፍያ ክመሓደር ምጽንሑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 17 May 2017

Ita Mafia

ሓደ ካብ ዓበይቲ መዓስከራት ስደተኛታት ኢጣልያ ብማጉጅለ ማፍያ ክመሓደር ምጽንሑ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኢጣል ብሰኑይ 15 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ካላብርያ፣ ኢዞላ ዲ ካፖ ሪዙቶ ዝርከብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት፣ ግኑን ስም ብዘለዎ ጉጅለ ማፍያ፣ ክመሓደር ምጽንሑ ተኣሚኑ።

ኣስታት 500 ፖሊስ ተዋፊሮም ኣባላት’ቲ ናይ ማፍያ ጉጅለ’ዮም ንዝበልዎም 68 ሰባት ከምዝቐየዱ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

እቲ ጉጅለ ማፍያ፣ ኣብቲ ከመሓድሮ ዝጸንሐ ግዝያዊ መዓስከር፣ ልዕሊ 75 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ንመሻርፎም ብመንግስቲ ዝስላዕ ሚልዮናት ገንዘብ እናሰረቐ’ዩ ናብ ካዝንኡ ዘሰጋግሮ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም መብዛሕም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓኖም፣ ኣብ ኣብ ግዝያዊ መዓስከራት ኢጣልያ ንሒደት መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሳግሙ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ኣብ ካላብርያ ዝርከብ ብ ‘ድራንጊታ’ ዝፍለጥ ጉጅለ ማፍያ ግና ኣብቲ ከመሓድሮ ዝጸንሐ መዓስከራት ዝተመዝገቡ ስደተኛታት፣ ዋላ’ውን ድሕሪ ምውጽኦም ምስኡ ከምዘለው እናሓበረ’ዩ ዝስልዓሎም መሻርፍ ክዘምት ጸኒሑ።

ነቲ ግዝያዊ መዓስከር ከመሓድር ብወግዒ ሓላፍነት ዝተረከበ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማሕበር ዝኾኑ ሓደ ዳይረክተርን ሓደ ቀሺን ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ኣዝዩ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሊብያ፣ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ጸጥታ፣ ማሕበራትን ናይ ውልቂ ትካላትን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብምውፋር ሚልዮናት ዶላራት የኻዕብቱ ከምዘለው ይውቐሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0