ብሰንኪ ክፍሊት ኣድማ ከካየድ ዝቐነየ ሰራዊት ኣይቮሪኮስት ምስ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ በጺሑ

Radio Erena: 17 May 2017

I coast

ብሰንኪ ክፍሊት ኣድማን ናዕብን ከከይድ ዝቐነየ ሰራዊት ኣይቮሪኮስት ምስ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝግለጽ ዘሎ፣ እቲ ኣብ ከተማ ቦዋከ ዝጀመረ ኣድማ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣቢጃን ካልኦት ከተማታትን ድሕሪ ምልሓሙ’ዩ።

መንግስቲ ኣይቮሪኮስት፣ ምስቲ ካብ ዓርቢ 12 ግንቦት ኣትሒዙ፣ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንእትስራዕ ከተማ ቦዋከ ተቖጻጺሩ ዝጸንሐ ገለ ክፋል ሰራዊት ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይገብር’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ከተማ ቦዋከ ዝፈለመ ኣድማን ናዕብን እናሓየለ ድሕሪ ምምጽኡ ካብ 16 ግንቦት ኣትሒዙ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዞም ኣድማ ዘካይዱ ዘለዎ ኣባላት ሰራዊት፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣላሳን ኦታራ ኣብ 2011 ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝደገፉ ኮይኖም፣ መንግስቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ መብጽዓ ዝኣተወሎም ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰራዊት ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 19 ሽሕ ዶላር ዝግመት መጠን ገንዘብ ክኸፍሎም’ዮም ዝጠልቡ።

እቲ መንግስቲ፣ ንሰራዊት ዝተማባጽዖ መጠን ገንዘብ ንኸይከፍል እታ ሃገር እኹል ባጀት ከምዘየብላ’ዩ ዘማኻኒ።

እንተኾነ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ካብ ፍርያት ካካዎን ካልእ ፍርያት እታ ሃገርን ንዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ኣታዊታት፣ ብብልሽውናን ካልእን እናጠፋፍኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዝርከብ ናይ ሃብን ሕሳባቶም የሰጋግሩ ከምዘለዉ ይውቐሱ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0