ስዑዲ ዓረብን ዓለማዊ ውድብ መግብን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ተጠቒዑ ንዘሎ ህዝቢ ዝውዕል ናይ መግቢ ረዲኤት ለጊሶም

Radio Erena: 16 April 2017

ደርቂ ኢትዮጵያስዑዲ ዓረብን ዓለማዊ ውድብ መግብን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ተጠቒዑ ንዘሎ ህዝቢ ዝውዕል ናይ መግቢ ረዲኤት ከምዝለገሱ ሺን ሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብዓርቢ ዕለት 14 ሚያዝያ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነስርዓት ወኪል ዳብልዩ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ናይ መግቢ ረዲኤት ኣብ እዋኑ ዝተለገሰ ብምዃኑ ናይ ኣሽሓት ህይወት ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቲ ብትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ንጉስ ሳልማን ዝተለገሰ ናይ መግቢ ረዲኤት ንልዕሊ 127,600 ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ክሕግዝ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ዞባ ሶማሊ ናይ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ደርቂ ወሪዶም ከምዘለዉ ዓለማዊ ውድብ መግቢ የመልክት።

ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ ተመሳሳሊ ዞባ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ሸሮኽ ንምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተ ናይ ህጹጽ ረዲኤት መስመራት ቴሌፎን ከምዝኸፈተ፣ ሺን ሁዋ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዞባ ሶማሊ ተዋፊሮም ዘለዉ ልዕሊ 500 ሰብ ሞያ ጥዕና፣ መዓልታዊ 260 በቲ ተላባዒ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ይሕክሙ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ እቲ ሕማም ሸሮኽ ካብ ኬንያን ሶማልያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከምዘሎ የመልክት።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0