ሱዳን፣ ዜጋታት ግብጺ ቪዛ ክሓቱ ዝእዝዝ ሓድሽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 10 April 2017

F sudan

መንግስቲ ሱዳን ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ዜጋታት ግብጺ ቪዛ ክሓቱ ዝእዝዝ ሓድሽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

እዚ መንግስቲ ሱዳን ኣውጺእዎ ዘሎ ናብ ዜጋታት ግብጺ ዘተኮረ ሓድሽ ናይ ቪዛ መስርሕ፣ ንኹሎም እቶም ናብታ ሃገር ብስራሕ ይኹን ብዑደት ዝኣትዉ ካብ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝጸሉ’ዩ።

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ግብጺ ዓብደልማሕመድ ዓብደልሓሊም ብዛዕባ እዚ ካብ 3 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ሓድሽ ሕጊ ኣመልኪቱ ንጋዜጣ ኣልኣሕራም ናይ ግብጺ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፣ መንግስቲ ሱዳን ንኩነታት መስርሕ መገሻ ዳግመ ክለሳ ድሕሪ ምግባር ዝኣወጆ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቅድሚ’ዚ ኣዋጅ ዜጋታት ግብጺ ናብ ሱዳን ብዘይቪዛ ክበጽሑ ፍቕዱ’ዩ ኔሩ።

ካብዚ ሓድሽ ኣዋጅ ንደሓር ግና ናብ ሱዳን ክበጽሑ ዝደልዩ ግብጻውያን ኣብ ካይሮ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን መእታዊ ቪዛ ክሓቱ ክግደዱ’ዮም።

ይኹን’ምበር ንቪዛ ዝሕተትዎ ክፍሊት ከምዘይህሉ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ግብጺ ይሕብር።

ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግብጺ ሓድሽ ናይ መእታዊ ቪዛ ሕግታት ተተግብር ዘላ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ሓደጋ ሃገርዊ ድሕነት ንሱዳን’ውን ስግኣት ምዃኑ’ዩ ኣስሚርሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0