ግብጺ፣ ሆሳእና ዘብዕሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕታት 43 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 10 April 2017

Hosana

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ታንታ፣ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብሰንበት 9 ሚያዝያ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 27 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 41 ከኣ ቆሲሎም።

ድሕሪ ክልተ ሰዓታት’ውን ኣብ ከተማ እስክንድርያ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሓያሎ ከኣ ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ነቲ ኣብ ሆሳእና ኣብ ልዕሊ ዘብዕሉ ዝነበሩ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0