ወላዲ ናይቲ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ኣብ ዝኣዘዞ ናይ የመን ስርሒት ዝተቐትለ ኣመሪካዊ፣ ምስቲ ፕረዚደንት ንምርኻብ ዝቐረበሉ መደብ ነጺግዎ

Radio Erena: 28 February 2017

Trump Yemen

ወላዲ ናይቲ፣ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ዝመጸለን ፈለማ መዓልታት፣ ኣብ ዝኣዘዞ ናይ የመን ስርሒት ኮማንዶ ዝተቐትለ ኣመሪካዊ ወትሃደር፣ ምስቲ ፕረዚደንት ንምርኻብ ዝነበረ መደብ ከምዝነጸጎ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

ንሱ፣ ሬሳ ወዱ ካብ የመን ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ንክራኸብ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መደብ እኳ እንተተታሕዘሉ፣ ኣማውታ ወደይ ምጽራይ የድልዮ’ዩ ብምባል፣ ነቲ ርክብ ከምዝነጸጎ’ዩ ተገሊጹ።

እቲ ቢል ኦወንስ ዝተብሃለ ኣቦ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ክረኽበካ ደልዩ ዝብል መልእኽቲ ንዘመሓላለፈሉ ሰራሕተኛ ዋይትሃውስ፣ ክረኽቦ ኣይደልን’የን ክብል’ዩ መሊስሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 20 ጥሪ ብወግዒ ስልጣን ካብ ዝጨበጠላ ዕለት ኣብ ሳልስታ፣ ሓለፍቲ ኣልቃዒዳ ንምሓዝ ወይ ንምቓታል ዝዓለመ ናይ ኮማንዶ ስርሒት ኣብ የመን ክካየድ ከምዝኣዘዘ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ኣብቲ ናይ ፈለማ ወትሃደራዊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ሓደ ኣመሪካዊ ወትሃደር ክቕተል እንከሎ ሰለስተ ከኣ ቆሲሎም’ዮም ተመሊሶም።

75 ሚልዮን ዝዋግኣ ዝተራቐቐት ነፋሪት’ውን ኣብቲ ስርሒት ተሓምሺሻ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብቲ ስርሒት ሓያሎ ኣባላት ኣልቃዒዳ ናይ የመን ከምዝተቐትሉ እኳ እንተሓበረ፣ ዝበዝሑ እቶም ግዳያት ግና ጓል 8 ዓመት ቆልዓ እትርከቦም ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይገልጹ።

እዚ ትራምፕ ኣብ ፈለማ መዓልታት ስልጣኑ ዝኣዘዞ ናይ ኮሞንዶ ስርሒት፣ ምጽራይ ክግበረሉን ኣማውታ ወዱ ድማ ብልክዕ ክፈልጥን’ዩ ዝሓትት ዘሎ ወላዲ ናይቲ ኣብ የመን ዝተቐትለ ኣመሪካዊ ወትሃደር ራያን ኦወንስ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0