ኣብ ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝጸንሑ 28 ሰባት ናጻ ከምዝወጹ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 February 2017

Sudan For Kassala

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ዝጸንሑ 28 ሰባት ፣ ብዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስርሒት ናጻ ከምዝወጹ ተሓቢሩ።

ሬድዮ ዳባንጋ፣ ንኣዛዚ ናይቲ ሰሉስ 21 ለካቲት ዝተኻየደ ስርሒት፣ ሜጀር ዓብደልከሪም ዓብደልዳፊ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና፣ ሚደሲሳ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዞባ ከሰላ ዝተጨውዩ 28 ስደተኛታት ከምዘለዉ ምስተረጋገጸ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቲ ስርሒት ከምዘካየድዎ ኣመልኪታ።

በቲ ስርሒት፣ ንሓድሕዶም ብሰንሰለት ዝተኣስሩ ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮ ዝርከብዎም 28 ስደተኛታት ናጻ ከውጽኡ እንከለዉ፣ ሰለስተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ዝነበሮ ስርሒት፣ ሓደ ኣባል ጸጥታ ሱዳን ከምዝቖሰለ’ውን ተሓቢሩ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ ባይቶ ቤጃ ዝኾነ ዓብደላ ሙሳ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምጭዋይን ኣዳዕዲዑ እናፈለጦ’ዩ ዘጽቕጥ ዘሎ ክብል ምውቓስሱ እታ ሬድዮ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ኣብቲ ዞባ ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋውዊ ምስግጋር ስደተኛታት ከምዝነጥፉ ብሰፊሑ’ዩ ዝዝረብ።

ዜግነት ናይቶም ዝሓለፈ ሰሙን ናጻ ዝወጹ 28 ስደተኛታት እኳ እንተዘይተሓበረ፣ እቲ ዞባ ብብዝሒ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ስደት ዝውሕዝሉ መንገዲ ብምዃኑ፣ መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ብመንገዲ ከባቢታት ከሰላን ገዳርፍን 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ስደት ዝውሕዝሉ ምብራቕ ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሃገራት ኤውሮጳ ዓቦ ቆላሕታ ዝገብራሉ ዘለዋ ኣውራ ጎደናታት ስደት’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0