ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ጽምብል፣ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ

Radio Erena: 23 February 2017

Somali New presi

መበል ታሽዓይ ፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዝተመርጸ መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ብሮቡዕ 22 ለካቲት ቃለ ማሕላ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ስርሑ ንምጅማር ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ኬንያን ዝርከብዎም መራሕትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ወከልቲ ሃገራት ኩዌት፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራት ዓረብንው’ን ተረኺቦም ኔሮም።

ካብ ዞባውን ኣህጉራውይን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ይኹን ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝተኻየደ ጽምብል ኣይተሳተፉን።

 መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከይደገፈ’ዩ ጸኒሑ።

ሃገራት ዓለም ነቲ ብምርጫ ዝመጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ብወግዒ ደገፈን ብምግላጽ፣ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽታት ኣብ ዝልእካሉ ዘለዋ እዋን’ውን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መልእኽቲ ኣየመሓለለፈን።

ወግዓዊ ምምራቕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል፣ ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝርከብ ናይ ሃንገር ኣዳራሽ’ዩ ተኻይዱ።

እቲ ጽምብል ኣብ ዝተኻየደሉ ዕለት፣ ዝበዝሐ ክፋል ከተማ ሞቛድሾ ካብ ምንቕስቓስ ተሽከርከርትን ኣጋርን ተኸልኪሉ ከምዝወዓለ’ውን ማዕከናት ዜና ሶማል ሓቢረን።

ብ8 ለካቲት፣ ኣብ ናይ ሃንገር ኣዳራሽ ናይቲ ኣብ ከባቢ ዓደን ዓደ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ዝተጋብኡ ልዕሊ 275 ኣባላት ፓርላማ ሶማል ኣብ ዘካይድዎ ምርጫ’ዩ፣ መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0