ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 22 February 2017

French Embassy

ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምፍጻሙ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ካብ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ሓላፊ ክፍሊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ሬሚ ማረሾ ዝመርሖ፣ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስመራ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ዘትዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ልኡኽ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥረ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝታይ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ዝልእካ ዘለዋ’ዩ።

ፈረንሳ ምስ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ይኹን ካልእ ልምዓታዊ መደባት ቀጥታዊ ምትእስሳ ዘይብላ ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ኣሃዱ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ክልተ ሰባት ጥራይ ከምዘውረደቶ ዝዝከር’ዩ።

ፈረንሳ ኣብ ሶማል ብኣልሸባብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣባል ስለያ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ንምልቃቑ ካብ 2009 ክሳብ 2012 እተካይዶ ዝነበረት ጻዕሪ፣ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ዝሐሸ መድረኽ ከየድቦ ክኢሉ ምንባሩ ምንጭታት የረድኡ።

እንተኾነ እቲ ብመንጎኝት መንግስቲ ኤርትራ ዝተጀመረ ጻዕሪ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ፈረንሳ ነቲ ኵነታት ኮማንዶ ብምልኣኽ ብወትሃደራዊ ስርሒት መዛዘሚ ክትገብረሉ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድማ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ፣ ጎኒ ሃገራዊ ባንክ ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ብምዕጻው፣ ምስ ኤምባሲ ጀርመን ከምዝተጠቕለለ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣምባሳደርን ጸሓፊቱን ክልተ ኣባላት ጥራይ ዘለዎ ኤምባሲ ፈረንሳ፣ ብመንገዲ ኣልያንስ ፍራንሰስ ኣብ ባህላዊ ንጥፈታትን ምግታእ ዋሕዚ ኤርትራዋን ስደተኛታት ኣተኩሩ ይርከብ።

ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት፣ ፕርዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ መንእሰያት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ ምስ ምህላዎም እታ ሃገር፣ ዓያዩ ዓቕሚ መንእሰያታ ከይትጽንቕቕ ዘሻቕል ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ጠብንቒ እቲ ስደት ንዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበረሉ ኣለዎ ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

ፓሪስ ኣብ እትርከበን ከተማታት ፈረንሳ ይኹን ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌን፣ ምስ ኢጣልያ ኣብ እተዳውብ ከተማ ቫንትሚልያን፣ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝርከብዎም ስደተኛታት ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ መዘራረቢ ጉዳያት ምርጫ ፈረንሳ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ፈረንሳን ጀርመንን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣርን ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ብመጠኑ ንምግታእ ይከኣል’ዩ ዝብል እምነት ዘለወን እኳ እንተኾና፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከብዲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከይተፈትሐ፣ ልምዓታዊ መደባት ንበይኑ ኣኻል ከምዘይኮነ’የን ዝጠቕሳ።

ነዚ ንምትግባር ድማ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንመንግስቲ ኤርትራ ንሓሙሽት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ከምዘበርከተሉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኣስመራ ናይ ሳልስቲ ምስጢራዊ ዑደት ዘካየደ ወኪል መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ክፍሊ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ኤርትራ እትከታተል ቫለንቲን ደለኮስታልን ወኪል ክፍሊ ኢምግሬሽን ፈረንሳን’ውን ተረኾቦም ኔሮም።

 

ስእሊ፣ ዝተዓጽወ ናይ ቀደም ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኣስመራ

==========================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0