ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፣ ብጉዳይ ስምምዕ ምስ ግብጺ ይሰሓሓባ

Radio Erena: 25 January 2017

Eth Su

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝተኸስተ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ይብእስ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልጹ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ንረብሓታት ኢትዮጵያ ዝጎድእ ስምምዕ ከቲሙ ክትብል’ያ ኢትዮጵያ ክትወቕስ ጸኒሓ።

ፕረዚደንት ኪር፣ ኣብ ከተማ ጁባ፣ ቤት ጽሕፈት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ንፕዚደንት ኣልሲሲ ቃል ከምዝኣተወሉ ዝገልጻ ካልኦት ምንጭታት’ውን ኣለዋ።

ደቡብ ሱዳን ምስ ግብጺ ምስጢራዊ ስምምዓት ምክያዳ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳንጽ ጸቕጢ ክትገብር ትፍትን ከምዘላ ፖለቲከኛታት ደቡብ ሱዳን ይገልጹ።

ክልትኤን ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎአን ተኸሲቱ ከምዘሎ ዝጥቀስ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃባሉ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝትከብ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ከምዘዘራረቦ’ዩ ዝንገር።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ብ9 ጥሪ ኣብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ግብጺ ከም መቀጸልታ ናይቲ ምስ ጉዳይ ናይል ዝተኣሳሰራ ሃገራት እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘተ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ኣብ 18 ታሕሳስ 2016 ናብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምእተዘራረበ ይዝከር።

ልኡኽ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 17 ታሕሳስ 2016 ናብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ግብጺ ከም ግብረ መልሲ ምስ ኩለን’ተን ተን ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ጽዑቕ ርክብ ተካይድ ኣላ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ’ውን ብ26 ታሕሳስ 2016 ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ኣብ መንጎ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ ሶርያ ድሕሪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፣ ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ እትልኮ ዝነበረት ነዳዲ ደው ኣቢላቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናብታ ምስ ግብጺ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትሰሓሓብ ዘላ ኢትዮጵያ ኣተኩራ ትርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንጉስ ሳልማን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ 2016 ናብ ሪያድ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ድማ ከም ግብ መልሲ ኣብ ሰሙኑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካይሮ ከምዝዓደሞ’ውን ይዝከር።

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ስዑዲን ኢትዮጵያን ሓድሽ ርክብ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ምስ ዘለዎም ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ተራኺቡ ኣሎ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0