ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ፓስፖርት ኤርትራ ይሸጡ ኣለዉ ክብል ኤምባሲ ኤርትራ ኣማሪሩ

Radio Erena: 25 January 2017

Saudi Embassy

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ፓስፖርት ኤርትራ ይሽየጡ ኣሎ ክብል ከምዝወቐሰ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ዑመር ማሕሙድን ቆንስል ናይቲ ኤምባሲ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄርን ብ21 ጥሪ፣ ንነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ ኣኼባ’ዮም ፓስፖርት ይሽየጥ ምህላዉ ዝገለጹ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ሸለልትነት ፓስፖርቶም ከጥፍኡ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ ንረብሓ ይሸጥዎ ከምዘለዉ ‘ዩ ጠቒሱ።

ንሱ ብተወስኺ፣ “ዝተሸጠ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ‘ጸላእትና’ ይጥቐምሉ ኣለዉ፣” ክብል ከምዘማረረ ዝሓበሩ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ ነቶም ‘ጸላእትና’ ዝበሎም ወገናት ግና ከምዘየነጸረ ኣረዲኦም።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቕባ ንምሕታት ናይ ኤርትራ ፓስፖርትን መንነት ወረቐትን ንዝገዝኡ ኢትዮጵያውያን ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቶም።

ኣምባሳደር መሓመድ ዑመር ኣብ መወዳእታ፣ ንፈለማ እዋኑ ፓስፖርት ንዘጥፍአ ነባሪ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ሓደ ዓመት፣ ካልኣይ ግዜ ንዘጥፍአ ድማ ክሳብ ክልተ ዓመት ፖስፖርት ከምዘይወሃቦ ኣነጺሩ።

ሳልሳይ ግዜ ፓስፖርት ዘጥፍአ ግና፣ ከም ገበን ተቖጺሩ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ጠቕሊሉ ከምዘይወሃቦ ኣጠንቒቑ።

ኤምባሲታት ኤርትራ፣ ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ንምውጻእ ኮነ ንምሕዳስ 200 ዶላር’ዮም ዝሓትት።

ይኹን’ምበር እቲ ፓስፖርት ንክልተ ዓመት ጥራይ ዘገልግል ብምዃኑ፣ ወነንቲ ናይ ኤርትራ ፓስፖርትብቀጻሊ ከማርሩ’ዮም ዝስምዑ።

ናይ ዝበዝሓ ሃገራት ዓመል ፓስፖርት ን10 ዓመታት ዘገልግል ኮይኑ፣ ሓድሽ ንምውጻእ ይኹን ዝነበረ ንምሕዳስ ካብ 40 ዶላር ኣይሓልፍን’ዩ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0