ካብ ስልጣን ምእላይ ሓንጊዱ ዝጸንሐ መራሒ ጋምብያ ሃዲሙ

Radio Erena: 23 January 2017

Gam Ex

ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ፣ ካብ ስልጣን ምውራድ ሓንጊዱ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጋምብያ ያሕያ ጃመህ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ወትሃደራተን ናብታ ሃገር ክልእካ ድሕሪ ምጅማረን ሃዲሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናይጀርያን ሰኔጋልን ፣ ስልጣኑ ብሰለማዊ መንገዲ ከረብ ከካይዳሉ ንዝጸንሓ ተደጋጋሚ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ድሕሪ ምንጻጉ፣ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ብወትሃደራዊ ጎነጽ ክኣልዮ’የን ተበጊሰን።

ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ ኣዳማ ባሮው፣ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሩ ቃለ መሓለ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ሰኔጋል ነቲ ብምርጫ ህዝቢ ዝተዓወተ መራሒ ናብ ስልጣን ንምድያቡን ነቲ ዝሓንገደ ያሕያ ጃመ ድማ ንምውራዱን፣ ዝሓለፈ ሰመኑን ሰራዊታ ዶብ ጋምብያ ሰጊሩ ኣብ ተጠንቐቕ’ዩ ጸኒሑ።

ናይጀርያን ካልኦት ኣባላት ሃገራት ኤኮዋስን፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ጎኒ ሰኔጋል ብምስላፍ፣ እቲ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ብምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ’ውን ካብ ስልጣን ምውራድ ሓንጊዱ ዝጸንሐን ያሕያ ጃመህ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ባዕሉ ካብ ስልጣኑ እንተዘይወሪዱ፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክኣልየኦ ምዃነን’የን ክገልጻ ጸኒሐን።

ካብ ሚኒስተራቱን ኣባላት ሰራዊቱን ደገፍ ከምዘይብሉ ዘረጋገጸ፣ ያሕያ ጃመህ፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ እንተተኣልዩ ኣብ ገዛ ነብሱን ስድራቤቱን ክወርዶ ዝኽእል ሳዕቤናት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብ21 ጥሩ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ ከምዝሓደመ ማዕከናት ዜና ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓቢረን።

ብወትሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምምጽኡ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ጋምብያ ነበር ያሕያ ጃመህ፣ ሓደ ካብቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ፣ ብደምበ ዕሉላት መለክቲ ኣፍሪቃ ዝፍለጡ 10 መራሕቲ ሃገራት ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ ኔሩ።

ምስ ምእላይ እዚ መራሒ፣ ቁጽሪ ናይቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ 9 ወሪዱ ኣሎ።

ብዘይ ዝኾነ ምርጫ ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሒ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃን፣ ንደምበ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝመርሑ ዘለዉ’ዩ።

ኣብ ደምበ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ይርከብዎም።

ካብዚኣቶ ስማዊ’ውን ይኹን ምርጫ ኣካይዱ ዘይፈልጥ መራሒ ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርዊ ጥራይ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0