ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር ንሽልማት ሸኽ ዛይድ ተረቑሑ

Radio Erena: 26 December 2016

Haji Jabr

ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር፣ ብቋንቋ ዓረብ ንዝተደርሰ ብሉጽ ስነ ጽሑፍ ዝዕድል ሽልማት ሸኽ ዛይድ ተረቑሑ ከምዘሎ ካብ ኣቡ ዳቢ ዝተፈነወ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተወልደን ቀጠር ዝምቕማጡን ምስ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ከኣ ዝሰርሕን ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ደራስን ሓጂ ጃብር፣ ኣቐዲሙ ‘ሳምራዊት’ ከምኡ ድማ ‘ማርሳ ፋጥማ’ ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ብቋንቋ ዓርብ ዘፍረ’ዩ።

ሓጂ ጃብር፣ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ዓረብ ብዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ናይ ሻርጃ ስልማት ከምዝተዓወተ’ውን ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ‘ሉብዓት ኣል ሚቕዛል’ ብእትብል ድርሰቱ ነቲ ኣብ ናይ ዓረብ ዓለም ብዝልዓለ ክብሪ ስነ ጽሑፍ ዝፍለጥ፣ ሽልማት ሸኽ ዛይድ ተረቑሑ ኣሎ።

ነዚ ሽልማት ተሮቑሖም ካብ ዘለዉ ሓያሎ ጸሓፍቲ፣ ኤርትራዊ ሓጂ ጃብር፣ ሊባኖሳዊ ዓባስ በይዱንን ግብጻዊ መካዊ ስዒድን ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ካብ ኣቡዳቢ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ይእንፍት።

Haji Jabr 2

ኤርትራ ካብ እትርከብን 29 ሃገራት ዝተወከሉ 274 ደረስቲ፣ ጸሓፍትን ሃየስትን ንሽልማት ሸኽ ዛይድ ናይ 2017 ተረቒሖም ኣለዉ።

ሽልማት ሸኽ ዛይድ ኣብ ጥቅምቲ 2017’ዩ ክወሃብ።

ካብ 200 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ዶላር ገዚፍ ናይ ገንዘብ ግንዖ ዘለዎ ሽልማት ሸኽ ዛይድ፣ ኣብ 2007 ካብ ዝጀመረሉ ክሳብ 2016 ብዝተፈላለየ ዓውድታት ስነ ጽሑፍ 60 ጸሓፍቲ ተዓዊቶም ኣለዉ።

ሽልማት ሸኽ ዛይድ፣ ንስነ ጽሑፍ ዓረብ ካብ ዝወሃብ ዝተፈላለየ ሽልማታት እቲ ዝበዝሐ ናይ ገንዘብ ግንዖ ዘለዎ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0