ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ክልተ ግብጻውያን ምስ ኤምባሲኦም ክራኸቡ ሓቲቱ

Radio Erena: 17 November 2016

Alsisi

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ግብጻውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ኤምባሲኦም ክብጽሑ ክፍቀደሎም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ግብጺ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፣ ብመንገዲ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ፍሉይ ዋዕላ ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ ምዃኑ ጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታዮም፣ ግብጺ ኣብ ጉዳይ’ቲ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብዝምልከት ንዝተበጽሐ ስምምዕ ከምእተኽብር ኣረጋጊጹ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ክልተ ግብጻውያን፣ ምስ ኤምባሲኦም ክራኸቡን ጉዳዮም ብዝቐልጠፈ ሕጋዊ መስርሕ ክኽተልን ተላብዮ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ጉዳይ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ግብጻውያን ብዝቐልጠፈ ክምርመርን ምስ ኤምባሲኦም ከምዝራኸቡን ቃል ከምዝኣተወ ሓበሬታ ኤምባሲ ግብጺ ካብ ኣዲስ ኣበባ የመልክት::

እዞም ክልተ ግብጻውያን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ህዝቢ ኦሮሞ ብዝተሓሓዝ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ኢድ መንግስቲ ግብጺ ከምዘለዎ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወቅስ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0