ስዊዘርላንድ ንመንግስቲ ኤርትራ 2 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ክትልግስ’ያ

Radio Erena: 04 November 2016

swiis

ስዊዘርላንድ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዓመታዊ 2 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ክትልግስ ተኽእሎ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ክትህብ ምዃና ትገልጽ ዘላ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋን’ዩ።

ኣባል ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮነት ስዊዘርላንድ፣ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዓመታዊ ክትልግሶ መዲባቶ ዘላ 2 ሚልዮን ኤውሮ ኣካል ናይቲ ኣቐዲሙ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መንግስቲ ዝሰልዓሉ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ኣይኮነን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ን10 ዓመታት ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ሓገዝ ንኤርትራ ዳግም ክጅምር ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ካብ ኤርትራ ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ክገትእ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል እምነት’ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናይ ኤርትራ ብልዕሊ 25 ሽሕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

እቶም በብእዋኑ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ ዑቕባ እንተተነጺጉ ናብ ኤርትራ ዝምለስሉ መንገዲ ንምንዳይ’ውን፣ እታ ሃገር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ’ዩ ዝሕበር።

ብዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘማርራ ዘለዋ ከም ስዊዘርላን፣ ጀርመን፣ ነርወይን ደንማርክን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነቲ መንግስቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይክኣል’ዩ ክብላ’የን ዝገልጻ።

እንተኾነ፣ ኣውራ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምዃኑ፣ ነቲ መንግስቲ ሚልዮናት ረዲኤት ምሃብ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ከምዘይብሎ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነተን ኣማኢት ሚልዮናት ኤውሮ ተመባጺዐናሉ ዘለዋ ሃገራት ንምሕጓስ፣ ወሰኽ ደሞዝ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝገበረ እኳ እንተሓበረ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብፍላይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንህር’ዩ ዝርአ ዘሎ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0