ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ሓገዝ ሰራዊት ኣልጀርያ ይሓታ

Radio Erena: 01 November 2016

Algerian Ge

ኣልጀርያ ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ኢዳ ክትጽንብር ስዑዲን ቀጠርን ሓቲተን።

ማዕከን ዜና ሚድልኢስት ኣይ ( Middle East Eye) ንዲፕሎማስያውን ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣልጀርያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈር ሰራዊት ናብ የመን ክትልእኽ ሰበ ስልጣን ስዑዲን ቀጠርን ብወግዒ ከምዝሓተቱዋ ኣነጺሩ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሰራዊት ሃገራት ወሽመጥ፣ ኣብ 2015 ኣብ የመን ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ኣብ ዝወሰነሉ፣ ኤርትራ እትርከበን 33 ሃገራት ነቲ ልፍንቲ ከምዝተጸንበርኦ ከፍልጣ እንከለዋ፣ ኣልጀርያ ግና፣ ነቲ ልፍንቲ ኣይተቐበለቶን።

ኣልጀርያ ኣብ ኵናት የመን ንኽትጽንበር፣ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ስዑዲን ቀጠርን ምስ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊትን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻልን ኣልጀርያ ጀነራል ኣሕመድ ቓይድ ሳላሕ ተደጋጋሚ እዋን ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ እቲ ምንጪ ይጠቅስ።

ብውሕዱ ትሽዓተ ሃገራት ካብ ኣባላት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንቲ ሃገራት እስላም፣ ናብ የመን ሰራዊተን ከዋፍራ እንከለዋ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ከኣ ኣብ ምስልጣን ሰራዊትን ሎጂስቲካዊ ቀረብ ወደብን የገልግላ ምህላወን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፣ “ኤርትራ ናይ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ መጋበርያን ከዳሚትን ኣይትኸውንን’ያ” ብምባል ኣብ ልዕሊ የመን ዝካየድ እኩብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከምዝቃወሞ እኳ እንተገለጸ፣ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ብዝገበረሉ ጻውዒት ናብ ሪያድ በጺሑ ድሕሪ ምምላሱ ግና፣ እቲ መንግስቲ ኣባል እስላማዊ ልፍንቲ ምዃኑ ብወግዒ ብምእዋጅ ስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ኣብ ዘካይድኦ ንዘለዋ ኵናት ይተሓባበር ኣሎ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘካየዶ ጽዑቕ መጥቃዕትታት፣ ንሑቲ ከዳኽሞ ብዘይምኽኣሉ፣ እዘን ሃገራት ኣብ የመን ብወትሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ክዕወታ ከምዘይክእላ ዘነጽር ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ጉዳይ የመን ብኵናት ክዛዝም ዘይምኽኣሉ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ናይ ዘተ ኣማራጺታት ክናደ ኣገዲዱ ኣሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0