ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንኣተገባብራ ወሰኽ ደሞዝ ይቃወሙ ኣለዉ

Radio Erena: 28 October 2016

Abotat Ab sirah

ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንኣተገባብራ ወሰኽ ደሞዝ ይቃወሙ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ንኣተገባብር ወሰኽ ደሞዝ ዝቃወሙ ዘለዉ፣ መንግስቲ ደሞዞም ክሳብ 1800 ናቕፋ ክብ ከምዘበሎ እኳ እንተሓበሮም፣ ኣብ ኢዶም ዝበጽሕ ገንዘብ ግና ካብ 300 ናቕፋ ዘይበዝሕ ብምዃኑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝሕሰብ ንመብዛሕትኦም ኣባላት ሰራዊት ዘጠቓለለ ናይ 1800 ናቕፍ ወሰኽ ደሞዝ ከምዝገበረሎም ብምግላጽ፣ ናይ ስድራ ቤት፣ ቅሙጥ ትሕጃ ሕሳብ፣ መስርሒ መንበሪ ኣባይቲ፣ ግብሪ፣ ደበስ ስውኣት፣ መማቕርትን ናይ ህግደፍ ወርሓዊ ክፍሊትን ዝብሉ ተቖራጺ ሕሳባት ከምዘለዎም’ዩ ዘርዚርሎም።

ተቖራጺ ሕሳብ ጎዲሉ ኣብ ኢዶም ዝበጽሕ ጽሩይ ደሞዝ 300 ናቕፋ ጥራይ ምዃኑ ዘሻቐሎም ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ኣኼባታት ተደጋጋሚ ሕቶታት የቕርቡ ምህላዎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ናይ ናብራ ክብሪ፣ ኣብ ኣሰራርሓ’ቲ መንግስቲ ‘ውን እምነት ስለዘይብሎም ምዃኑ የረድኡ።

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሒ፣ 32 ሚእታዊት ናይቲ ዝውሰኽ ደሞዝ፣ ተቖራጺ ንስድራቤታት ኮይኑ፣ ስድራቤታት ዘይብሎም ከኣ ኣብ ባንክ ተቐማጢ ክኾነሎም’ዩ እቲ መንግስቲ ወሲኑ ዘሎ።

16 ሚእታዊት ናይቲ ዝውሰኽ ደሞዝ ከኣ ንመስርሒ መንበሪ ኣባይቲ ምዃኑ’ዩ ዝንገሮም ዘሎ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ንተጋደልቲ ክሰርሓሎም ዝተመባጽዖ መንበሪ ኣባይቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 20 ዓመታት ሓሊፉ፣ እቲ መብጽዓ ከምዘይተተግበረ ብምዝኽኻር’ዮም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንኣተገባብራ ወሰኽ ደሞዝ ዝቃወሙ ዘለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሓለፍቲን ሰብ ፍሉይ ረብሓን እንተዘይኮይኑ፣ ንዝበዝሑ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይ ሑጻን ካልእ ከተማታትን ክሰርሓሎም ዝተኣተዎ መብጽዓ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘየተግበረ ይፍለጥ።

በንጻር’ዚ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ጥራይ ንዝኸፍሉ ኣብ ወጺኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብዶላርን ኤውሮን መሬት ክሸጠሎምን፣ ቅድሚ ናይዞም ተጋደልቲ ንኽሃንጸሎም ይጓየን ምህላዉ’ዩ ዝንገር።

ሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ፣ መንግስቲ ንዝኣተወሎም መብጽዓታት ብምጥላሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ገዛውቲ መንግስቲ ንምውራስ’ውን ብሰበይ ሰብካን ምስ ሓለፍቲ ብዘለካ ቅርበትን ጥራይ ይስርሓሉ ምህላዉ’ዮም ዘማርሩ።

ብዘይካዚ’ውን ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይተመናይ ከባቢ እንዳ ኮካ ክህነጸሎም ምዃኑ ተመባጺዑ እምነ-መሰረት ዘንበረሉ ህንጻ፣ ነቶም ንሓያሎ ዓመታት ሃረር ዝበሉ ስንኩላን ዛጊት ከምዘይተዋህበ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0