ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 31 October 2016

Kenya Sudan

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸም ማዕከና ዜና ኬንያ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ትማሊ 30 ጥቅምቲ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ሓባራዊ መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ኣባልነት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝስሕብሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኬንያ ሓንቲ ካብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ኣሚና መሓመድ ጸሓፊት ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኮይና ንኽትምረጽ ጎስጓስን ጻዕርን ኣብ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ናብ ሱዳን ዑደት ፈጺሙ።

ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብህዝቢ ተመሪጹ መራሒ ኬንያ ድሕሪ ምዃኑ፣ ጉዳዩ ንምጽራይ ናብቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ዘ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝበጽሐ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኣልበሽር’ውን በቲ ፍርኡ ተኸሲሱ እኳ እንተሎ፣ ጉዳዩ ንምጽራይ ናብቲ ቤት ፍርዲ ንኸይቀርብ ሓንጊዱ ይርከብ።

ኣባላት ሃገራት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ከረክባ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ከኣ እብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ብምዕራባውያን ዝተዓብለለ’ዩ ዝብልኦ ዘለዋ ቤት ፍርዲ ይስሕባ ኣለዋ።

መራሕቲ ኬንያን ሱዳንን፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ’ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚን ተራ ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝተመያየጡን ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ንዘሎ ንግዳውን ካልእ ዓይነት ዝርክባት ንምዕማቝ ከምዝዘተዩ ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0