ኤርትራ፣ ንንግዲ ካብ ዘይምችኣ ቀዳሞት ሃገራት ምዃና ባንክ ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: 27 October 2016

World bank

ኤርትራ፣ ካብተን ቀዳሞት ንንግዲ ዘይምችኣ ሃገራት ምዃና ሓድሽ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም፣ ንንግዲ ዘይምችኣ ሃገራት ኢሉ ምስ ኤርትራ ኣብ ድሕሪት ሰሪዑወን ዘሎ ሶማል፣ ሊብያን ቬኔዙዌላን’የን።

ባንክ ዓለም ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ፣ ንግዲ ከተካይደላ ዝመችአት ሃገር ኢሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣቐሚጡዋ ዘሎ ሃገር፣ ኒው ዚላንድ ክትከውን እንከላ፣ ንግዲ ንኸተካይደላ ዝመቸአት ሃገር ተባሂላ ንሓያሎ ዓመታት ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ዝነበረት ሲንጋፖር ከኣ ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዳ።

ንኒው ዚላንድን ሲንጋፖርን ተኸቲለን ንግዲ ንምክያድ ዝመችኣ ሃገራት፣ ደንማርክ፣ ሆንግኮንግ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ነርወይ፣ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን መቖደንያን ብቕድም ተኸተል ተሰሪዐን ኣለዋ።

ባንክ ዓለም ኣብ 190 ሃገራት ብዘካየዶ መጽናዕቲ፣ እተን ንንግዲ ዘይምችኣ ዝበለን ኣርባዕተ ቀዳሞት ሃገራት ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሊብያን ቬኔዙዌላን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ነዚ ውርደት እዚ ንሓያሎ ዓመታት’ያ ተሰኪማቶ ዘላ።

ንግዲ ንምክያድ ዝመችኣ ሃገራት ዝምረጻሉ ኣገባብ፣ ወፍሪን ንግድን ዘተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ፣ ፍቓድ ዋኒን ንምውናን ዘሎ ናይ መስርሕ ሃልኪን ዘባኽኖ ግዜን ከምኡ ድማ ስርዓተ ኣከፋፍላ ግብሪ ዝኣመሰለ መዐቀኒታት’ዩ ኣብ ግምት ዝኣቱ።

“ቀለልቲ ሕግታት ንክትስዕቦም ኣየጸግሙን’ዮም። እዚ ድማ ሓደ ምልክት ናይቲ ጥዑይ መንግስቲ ንዜጋታቱ ብኣኽብሮት ናይ ምሓዝ ዘለዎ ድሌት’ዩ ዘንጸባርቕ፣” ዝበለ ሓላፊ ስነ ቁጠባን ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ባንክ ዓለምን ፖል ሮመር፣ ኣብ ንግዲ ከምዚ ዓይነት ኣገባባት ዝኽተል መንግስቲ፣ ዝያዳ ኣውፈርትን ሰፊሕ ናይ ዕዳጋ ባይታ ንደቂንስትዮን ከምዘተባብዕ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝበዝሐ ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ትካላት ብኩባንያታት ህግደፍ ዝተባሕተ ኮይኑ፣ ንኣሽቱ ትካላት ንምውናን ዘሎ ናይ ፍቓድ ሃልኪን ዘባኽኖ ግዜን ነዊሕ ምዃኑ ይፍለጥ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0