ብሰንኪ ስግኣት ሕማም ሸሮኽ፣ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ሕጋዊ ምንቅስቃስ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ንቡር ተመሊሱ

Radio Erena: 14 October 2016

Kessela Teseney

ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ሕማም ሸሮኽ፣ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ሕጋዊ ምንቅስቃስ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ንቡር ተመሊሱ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ፍኑው ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብን ናብን ኤርትራ – ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ዝሓበሩ ምንጭታት ኤረና፣ እዚ ማለት ግና ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ስግኣት ናይ ሸሮኽ ጠቕሊሉ ተኣልዩ ከምዘይኮነ ኣዘኻኪሮም።

ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታት 57 ሰባት ውጽኣት ብዘስዕብ ሕማም ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከምዘረጋገጸ ኣይርሳዕን።

ብሰንኩ ድማ ኣብቲ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዋስን ሓያሎ ከባቢታት ጽኑዕ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ክሳብ ዝግበረሉ ህዝቢ ካብ ፍኑው ምንቅስቓስ ተገቲኡ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ’ውን ሰባት የጥቕዕ ከምዘሎ ኣብ ዝተገልጸሉ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብ29 መስከረም ናብ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ፣ ምስ ኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዶባት ኢትዮጵያ ግና እቲ ሕማም ከምዝተቐልቐለ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

ሚኒስተሪ ጥዕና ኤርትራ፣ እቲ ሕማም ናብ ኤርትራ ከይላባዕ፣ ቅድመ ምድላዋት ይገበር ከምዘሎ’ውን እቲ ውድብ ኣብ መልእኽቱ ይጠቕስ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ጨንፈር ጋሽ ባርካ፣ ብዛዕባ’ዚ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ እኳ እንተዘየውጽአ፣ ከም ውጽኣትል ዓሶን ካልእን ዝኣመሰለ ብሰንኪ ርስሓት መግብን ኣከባብን ዝመሓላለፍ ሕማማት ብዝምልከት ንህዝቢ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣስመህሮ ከምዝሃበ ይዝከር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0