ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ጌዲዮ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት 10ታት ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 14 October 2016

South Ethi

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ጌዲዮ ኣብ ዝተጎሃሃረ ሓድሽ ግጭት ብውሕዱ 63 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ መንጎ ተወላዶ ብሄረ ጌዶን ካልእ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ሰፋሮን ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ንሓደ መዓልቲ ከምዝቐጸለ ዝሓበራ ምንጭታት ዜና ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናይ ጽዕነትን ህዝቢ ዘመላልሳን ዓበይቲ መካይንን ትካላት ንግድን ብሓዊ ከምዝተሃሞኸ ኣፍሊጦም።

52 ካብቶም ዝሞቱ ተወላዶ ጌዲዮ ክኾኑ እንከለዉ እቶም 11 ከኣ ካብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ዝገዓዙ ሰፋሮ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ምምሕዳር ክልል ደቡብ፣ ኣብቲ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 23 እኳ እንተውረዶ፣ ብናጻን ኣካል ግና ክረጋገጽ ኣይከለን።

እቲ ግጭት፣ ተወላዶ ጌዲዮ ካብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰፋሮ ጸጋታትና ይምዝምዙ ኣለዉ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተጎሃሃረ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ይሕብር።

እዚ ክልል ደቡብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ነቲ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢርሉ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ተወሳኺ ሻቕሎት ምዃኑ ተዓዘብቲ የረድኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ጌዲዮ ግጭት ካብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2016 ኣትሒዙ ናይ ህጹጽ እዋን ኣውጂ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0