መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ እዋን በዓላት ቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን፣ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቐመሎም ዘውጽኦ ውጥን ከምዝፈሸለ ተገሊጹ

Radio Erena: 29 September 2016

Abune

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ናይ ይቕሬታ መዘከር ብምኽታም ናብ መንበሮም ንኽመልሶም ዘካይዶ ዝነበረ ፈተነ፣ ኣብ እዋን በዓላት ቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን፣ ቃለ ቡራኬ ብምሃብ ንፕሮፖጋንዳ ክጥቐመሎም ስለዝሓሰበ ምዃኑ ምስ መንበረ ጵጵስና ኣስመራ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ንሳቶም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ በዓል ቅድሱ ዮሃንስ ኣብ ዝነበረ ወርሓት፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናወሰዱ ብተደጋጋሚ ከምዘዘራረብዎም ብምርግጋጽ፣ ይቕሬታ እንተሓቲቶም፣ ብዝቐልተፈ ናብ መንበሮም ክመልሶም ምዃኖም ይገልጽሎም ምንባሮም’ዩ ዘብርሁ።

እንተኾነ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ሳልሳይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ክቕጽሉ ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ነቲ መንግስቲ ይቕሬታ ከምዘይሓትዎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጉዳይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ከም ድላዩ ዝግበር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንከም ኣቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ እታ ቤተ ክርስትያን ብምሓዝ፣ ኣብ ቃለ ቡራኬን ካልእ ንጥፈታትን እታ ቤተክርስትያን ከእትዎም ይርአ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምውራድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ሒዝዎም ዝጸንሐ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ብግዴታ ናይ ይቕሬታ መዘክር ብምኽታም ናብ ቦትኦም ንኽመልሶም ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ኣቀዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ድሕሪ ሞት እቶም ብሕርያ ህግደፍ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ዝኾኑን ካብ ኣብያተ ክርስትያን ዓለምን ምእመንን ተቐባልነት ዘይረኸቡን ኣቡነ ድዮስቆሮስ፣ ጳጳሳት ኦርቶዶክስት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብታ ቤት ክርስትያን ብምንጻግ፣ ድሌት እቲ መንግስቲ ንምምላይ ጥራይ ሓድሽ ፓትርያርክ ከምዘይመርጹ ብወግዒ ሓቢሮም።

ጳጳሳት ናይ ኩለን ገዳማት ኤርትራ ንምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ብምቅዋም፣ እቲ መንግስቲ ነታ ቤተ ክርስትያን ከመሓድሩ ዝመደቦም ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ከምኡ ድማ ንተሓባበርቶም ጳጳሳትን ኣቕሽሽቲ ዝኹንን ወግዓዊ ደብዳቤ ምርዝግሖም ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ እንሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞ ጳጳሳትን ምእመንን ንምዝሓሉ፣ ነቶም ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምውራድ ንልዕሊ 10 ዓመታት ሓይርዎም ዝጸንሐን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ይቕሬታ ከምዝሓተቱ ጌሩ ናብ ቦትኦም ክመልሶም ፈተነታት ከካይድ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ዝፈጸምዎ ጌጋ ከምዘየሎን ድሌት እቲ መንግስቲ ንምርዋይ ይቕሬታ ብምሕታት ናብ መንበሮም ከምዘይምለሱን ከምዘረጋገጹ እቶም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሓቢሮም።

ኣቡነ እንጠንዮስ ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ እቲ መንግስትን ብምቅዋሞም፣ እቲ መንግስቲ ንሕግን ስርዓት ቤተክርስትያን ብምጥሓስ ካብ ቦትኦም ብምእላይ ኣብ ክንድኦም ካልእ ኣቡን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝሸመ ይዝከር።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብሰንኪ ምእትታው መንግስቲ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0