ኣብ ጎንደር፣ ብሰንኪ ባርዕ ኣስታት 400 ትካላት ንግዲ ተሃሙዅ

Radio Erena: 19 September 2016

Gonde

ኣብ ጎንደር፣ ብሓሙስ 15 መስከረም ወጋሕታ ብጋጠመ ባርዕ ኣስታት 400 ትካላት ንግዲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሃሞኸ ማዕከን ዜና ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

እቲ ብተለምዶ ኣራዳ ተባሂሉ ኣብ ዝጻዋዕ ከባቢ ዘጋጠመ ባርዕ ጠንቑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተነጸረን።

እቲ ባርዕ ዘጋጠም፣ ወነንቲ ትካላቶም ዓጽዮም ድሕሪ ምኻዶም፣ ኣብ ለይቲ ምዃኑ ዝሓበረ ምክትል ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ከተማ ጎደንር፣ ጠንቒ እቲ ባርዕ ብፖሊስ ይጻረ ከምዘሎ ንሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

 

ዋጋ ናይቲ ኣብ 400 ትካላት ብባርዕ ዓንዩ ዘሎ ንብረት ዛጊት ኣይተገመተን።

እንተኾን እቲ ማዕከን ዜና ምስ ሓደ ሓደ ወነንቲ ትካላት ብምዝርራብ ካብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፣

ኣብ ገሊኡ ትካላት ክሳብ 200 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ከምዝነበረን ብጠቕላላ ከኣ ኣስታት 100 ሚልዮን ብር ዝግምት ንብረት ከምዝተሃሞኸን ይግምግም።

ምምሕዳር ከተማ ጎንደር፣ ድሕሪ’ቲ ባርዕ ምስ ወነንቲ ናይቲ ዝተሃሞኸ ትካላት ብምርኻብ፣ ህጹጽ ንዘድልዮም ሓገዝ ክግበረሎም ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ወነንቲ ትካላት፣ ጠንቂ እቲ ባርዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተወልዐ ምዃኑ’ዮም ዝዛረቡ።

ይኹን’ምበር፣ ፈጽምቱ ክኾኑ ይኽእሉ ዝተባህሉ ኣካላት ኣይጠቐሱን።

ኣብ ጎንደር፣ ብዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞን ናዕን ህዝቢ ኣብ ትካላት መንግስቲ ወፍርታት ወጻኢን ከቢድ ዕንወት ይወርድ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ዕንባባ ዝነጥፋ ትካላት ወጻኢ 10ታት ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወት ወሪዱወን ምሃላዉ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ ትካላት ሕርሻ ኣሕምልትን ፍረታታን ብዝተፈጸመ ዝምታን መጥቃዕቲን ብሚልዮናት ዝግመት ዕንወት ከምዝወረደ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብተወሳኺ ገሊጹ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0