UPDATED: ኤርትራ፣  ኣብዚ 20 ዓመታት ንኻልኣይ እዋና ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሚኒስተር ተሳቲፋ

UPDATED: ኤርትራ፣ ኣብዚ 20 ዓመታት ንኻልኣይ እዋና ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሚኒስተር ተሳቲፋ

Radio Erena: 18 July 2016

Osman

ኤርትራ፣ ኣብዚ 20 ዓመታት ኣብ ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኣይ እዋና ብደረጃ ሚኒስተር ተሳቲፋ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ካብ 10 ክሳብ ሎሚ 18 ሓምለ ኣብ ሩዋንዳ፣ ከተማ ኪጋሊ ዝተኻየደ መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተሳተፈ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ኣምባሳደር ጥራይ ክሳተፍ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።  

ኤርትራ፣ ኣብ 2014 ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ከተማ ማላቦ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሚኒስተር ከምዝተሳተፈትዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ 20 ዓመታት፣ ኣብቲ ዋዕላ ብደረጃ ሚኒስተር ክትሳተፍ ምስዚ ናይ ሎሚ ንኻልኣይ እዋና’ዩ።

 

ብ7 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደት ፍሉይቲ ልእኽቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ሲሲልያ ኦግዋላ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ዘካየደቶ ርክብ፣ ብዛዕባ ተሳታፍነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተዘራረበትን፣ ኤርትራ ንኡጋንዳዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ንኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ደገፋ ክትህብ ከምዝሓተተን ዝፍለጥ’ዩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክርአን ክምርመርን ድሕሪ ዘሕለፎ ምሕጽንታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስቲ ንዓመታት ከናሽዎን ከቆናጽቦን ዝጸንሐ ዞባዊ ውድብ ዲፕሎማስኡ ከመሓይሽ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ክገብረላ ብዓብላሊ ድምጺ ዝደገፈ ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ጥራይ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

መበል 27 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሰፊሕ ክትዓትን ዘተን ብምክያድ ሎሚ ሰኑይ 18 ሓምለ’ዩ ክዛዘም’ዩ።

 ኣብ ካልእ ዜና፣ ሞሮኮ ድሕሪ 32 ዓመታት ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክትምለስ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ።

ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ሻዱሻይ፣ ኣብ ኪጋሊ ንዝተጋብአ መበል 27 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሰድዶ መልእኽት’ዩ፣ ሃገሩ ናብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክትምለስ ከምእትደሊ ዘረጋገጸ።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ 1984ንናጽነት ምብዕራብ ሰሃራ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ፣ እታ ንምዕራብ ሰሃራ ከም ሉኣላዊ ግዝኣታ እትገልጾ ሞሮኮ፣ መርኣያ ተቓውሞኣ ካብቲ ድሕሪኡ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተለወተ ዞባዊ ውድብ ስሒባ’ያ ጸኒሓ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0