ኣብ ኤርትራ፣ ብኮንትሮባንድ ዝኣተወ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግቢታት ኣብ ጥዕና ከቢድ ሃስያ የምጽእ ኣሎ

Radio Erena: December 25, 2013

 

ኣብ ኤርትራ ምስ ዋሕዲ እኹል መግቢ ብፍላይ ድማ መግቢ ህጻናት ተተሓሒዙ፣ ብሱዳንን የመንን ዝኣቱ ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ዘሎ ዕሹግ መግብታት፣ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን የምጽእ ምህላዉ ሓያሎ ወገናት ካብ ሃገር ምረቶም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ዱካናትን ኣብ ጎደናታትን ተዘሪጊሑ ንዕዳጋ ወሪዱ ዘሎ ከም ጸባ፣ ብሽኮቲ፣ ዘይቲ ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት፣ ገሊኡ ግዜኡ ዝወደቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብቕዓቱን ጥዕንኡ’ውን ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

 

መንግስቲ ነቲ ብኮንትሮባንድ ኣትዩ ዝበሎ ዝተፈላለየ ዕሹግ መግብታት፣ ኣብ ዱኳናት ከይሽየጥ ብምጥንቓቕ፣ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ማለት ሙኒቺፕዮ ብምውፋር ክቆጻጸሮ ከምዝፈተነ እኳ እንተገለጸ፣ ብተሰነይ ኣትዩ ዝብሃል ብዝሒ ዘለዎ ዕሹግ መግብታት ፈቐድኡ ተዘርጊሑ ምህላዉ ግና እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ብፍላይ መግቢ ህጻናት ኣብ ኤርትራ ጠቕሊሉ ናብ ዘይምህላው ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ነጋዶ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምትሕብባር፣ ዝወድቐሉ ዕለትን ጥዕንኡን ዘይተፈልጠ ዕሹግ ጸባ ብኮንትሮባንድ ብብዝሒ የእትዉ ምህላዎም’ዩ ዝሕበር።
=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0