ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ ትሽዓተ ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተለቒቖም

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ ትሽዓተ ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተለቒቖም

Radio Erena: 23 May 2016

Ph

ኣስታት 9 ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ ትሽዓተ ፊሊፒናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተለቒቖም።

መንግስቲ ፊንላንድ ብመንገዲ ኣብ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ንምልቓቖም ጻዕርታት ከካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ 21 መጋቢት ከኣ ክልቐቑ ምድላዋት ይካየድ ምህላዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታሃገር ኣፍሊጡ’ዩ።

እቶም ትሽዓተ ዜጋታት ፊሊፒንስ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ እትርከብ ኩባንያ ምግፋፍ ንምስራሕ ተቖጺሮም ካብ ከተማ ማኒልያ ዝመጹ’ዮም።

 

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ክሊ ማያ ኤርትራ ዓሳ እናገፈፉ ከኣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ’ዩ ክግልጽ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርት ብዛዕባ ምትሓዝ ፊሊፒናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ከይሃበሉ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ናጻ ለቒቖዎም።

እቶም ፊሊፒናውያን ብ19 ግንቦት ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊሊፒኒስ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0