ኣባል ባይቶ ሕ/ ኤ ብርያን ሃየስ ዝመርሖ ልኡኽ ኣየርላንድ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

ኣባል ባይቶ ሕ/ ኤ ብርያን ሃየስ ዝመርሖ ልኡኽ ኣየርላንድ ኣብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 20 May 2016

Ir

ኣባል ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ብርያን ሃየስ ዝመርሖ ልኡኽ ኣየርላንድ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ኣባል ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካይድ ዘሎ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሓያሎፖለቲከኛታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ንምዕዛብን ሃገሩ ኣየርላንድ እተበርክቶ ዘላ ልምዓታዊ ሓገዛት ንምግምጋም ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ኣይርላንዳዊ ፖለቲከኛት ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ነተን ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣተኵረናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን’ዩ።

 

ኣይረላንድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣብ ሕርሻ ዘተኮረ ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኤርትራ ከምዘበርከተት እቲ ኣብ ኤርትራ ዑደተ ዘካየደ ኣባል ባይቶ ምሕባሩ መግለጺ ትካል ኣይሪሽ አይድ(Irish Aid) የመልክት።

ልኡኽ ኣየርላንድ ኣብቲ ካብ 14 ክሳብ 18 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ዑደት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበን ኣብ ሓየሎ ከባቢታት ኤርትራ ከኣ ከምዝበጽሐን ተሓቢሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0