Radio Erena: 19 May 2016
ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ቁሸታት ሱዳን ጽኑዕ ተፍትሽ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ከባቢታት ታሕዳይ፣ ካራዪት፣ ሻላልብን ከሰላን ዝካየድ ዘሎ ተፍትሽን ወትሃደራዊ ምቁጽጽራን፣ ካብ ወ ዓሌት ቤጃ ንዝኾኑ ዕጡቓት ግንባር ምብራቕ ሱዳን ነበር ንምህዳን ምዃኑ ሬድዮ ዳባንጋ ካብ ኣምስተርዳን ገሊጻ።
ነበርቲ እተን ከባቢታት ዶብ ሰጊሮም ኣብ ቁሸታት ኤርትራ ዘካይድዎ ንግዳዊ ልውውጥ ከይቕጽሉ ተኸልኪሎም ምህላዎም’ውን ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጠቒሶም።
ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ጽኑዕ ምክትታልን ተፍትሽን ይካየድ ምህላዉን፣ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ጠንቒ’ዚ ብወገን ኤርትራን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጽኑዕ ምቑጽጻርን ተፍትሽን ኣብ ርእሲ’ቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት፣ ተቓወምቲ ቤጃን ካልኦት ዕጡቓትን ንምህዳን ዝዓለመ ምዃኑ ይንገር።
ብመንጎኝነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ንዕጡቓት ቤጃን ራሻይዳን ዝሓቖፈ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ምስ መንግስቲ ሱዳን ከምዝተጸንበረ ኣይርሳዕን።
እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ኣባላት ናይቲ ናይ ቤጃ ወገን፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ዝኸተመሉ ስምምዕ ኣየተግበረን ብምብላ ዳግም ብረቶም ኣልዒሎም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
===========================